ሰራዊት እስራኤል ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣብ ቓዛ ምክያዱ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ሰራዊት እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

እቲ ዒላማ ሓማስ ሮኬታት ዝትኩሰሎም ከባቢታት'ዮም ዝተባህሉ ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ'ሎ። ሓማስ ብወገኑ ኣብ ጥቓ’ቲ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ዘስግር ሓያለ ከባቢታት ዶባት ሮኬታት ምትኳሱ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ’ሎ።

እስራኤል ብተወሳኺ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ከባቢ በካ ሕዝቦላሕ ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ኣካይዳ’ላ። ሮኬታት ሕዝቦላህ ከኣ ንሰሜናዊት ከተማ እስራኤል ሃይፋ ብሮኬታት ሃሪሙ’ሎ። መሓውራት ዜና እስራኤል ከም በቲ ደብዳብ ሮኬታት ሕዝቦላህ ብውሑዱ 10-ሰባት ቆሲሎም’ለዉ። ሕዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ሃይፋ ንዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዒላማ ምግባሩ ገሊፁ’ሎ።

እዚ መጥቃዕታት ዝተኻየደ ብሚሊሽያታት ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ኣስራኤል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፈላማይ ዓመቱ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኹናት ወሊዑ ሕጂ ኣብ ሊባኖስ ንዝካየደ ዘሎ ኹናት መሪሑን ናብ ዞባዊ ጎንፂ ከይሰፍሕ ስግኣት ፈጡሩ’ሎ።

ሓማስን ሕዝቦላህን ክልቲኦም ብኣመሪካ ብሪጣንያ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ጉጅለታት ሽበራ ተባሂሎም ተሰይሞም’ዮም።