እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዘካየደቶ ደብዳብ ኣስታት 600 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ሂዝቦላህ ብዝፈጸመቶ ሰፊሕ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 560 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 2,000 ከም ዝቖሰሉን ሚንስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። እዚ ዳሕራዋይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ዞባ ካልእ ዶብ ሰገር ግጭት ከይውልዕ ኣስጊኡ`ሎ። እስራኤል ትማሊ ኣብ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ልዕሊ 800 ዒላማታት`ያ ሃሪማ። ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት`ውን ካብ መንጎ`ቲ ዝተደብደበ ቦታታት ሓንቲ ክትከውን ከላ ኣሸሓት ሰባት ክሃድሙ ኣገዲዱ`ሎ።