ነፈርቲ ኵናት እስራኤል ኣብ ቤይሩት ብዘካየድኦ ደብዳብ 6 ሰባት ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ከተማ ቤይሩት 3 ጥቅምቲ 2024

ነፈርቲ ኩናት እስራኤል ሎሚ ሓሙስ ንሓደ ኣብ ከተማ ቤይሩት ዝርከብ ህንጻ ከም ዝሃረማን፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሸውዓተ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ሰበ- ስልጣን ሕክምና ሊባኖስ ሓቢሮም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንጉጅለ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጽም ከም ዘሎ ሓቢሩ`ዩ።

ኣብ ሊባኖስ ኣዋሃሃዲ ሕቡራት ሃገራት ጀኒን ሀኒስ ፕላቻርት፡ ቤይሩት ክትናወጽ ትሓድር ድቃስ ዘይብላ ከተማ ኮይና`ላ፡ እንታይ ከም ዝመጽእ `ውን ንምግማቱ ኣብ ዘጸግም ጭንቀት ኣትያ`ላ ኢሉ።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣንጻር ህዝቦላህ ኣብ ዘካየደቶ ውግእ ሸሞንተ ወተሃደራታ ከም ዝተቐተልዋ`ውን ሓቢራ`ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነተንያሁ “ ኣንጻር`ታ ከተጥፍኣና ትደሊ ኢራን ኣብ ማእከል ከቢድ ኵናት ኢና ዘለና” ክብል መጸናንዒ መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን ተዛሪቡ።

ኢራን ቅድሚ ሎሚ ዘይተራእየ ኣስታት 200 ቦልስቲክ ሚሳይል ናብ እስራኤል ካብ ትውንጭፍ ንድሓር፡ ውጥሪ`ቲ ዞባ ብቕጽበት ዓሪጉ`ሎ።

ኢራን ነቲ ስጉምቲ ዝወስደት፡ እስራኤል ንመራሒ ሓማስ እስማዒል ሓንየ ኣብ ቴህራን፡ ንመራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ድማ ኣብ ቤይሩት ድሕሪ ምቕንጻላ`ዩ።

ብዛዕባ`ቲ እናበኣሰ ዝከይድ ዘሎ ኩነታት ንምዝታይ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ኔሩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝባራዕ ዘሎ ሓዊ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ብቕልጡፍ ይሳገር ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።