ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ሓቢራ

  • ዜና ቪኦኤ

ናብ እስራኤል ዝተተኾሱን ዝፈሸሉን ሚሳይላት

ኢራን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ነቲ ኣብ ቀረባ እስራኤል ኣብ ሓይሊታት ቴህራን ዝፈፀመቶ ቅትለት ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ገሊጻ።

ሓይልታት እስራኤል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ቤይሩት ኣንፃር ሕዝቦላህ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ኣየር ከካይድ ከሎ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ድማ ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታት ሊባኖስ ምስ ሓይልታት እስራኤል ምትዃሶም ይገልፁ።

ከምኡ'ውን ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ካን ዩኒስ ናይ ኣየርን ምድርን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ብውሑዱ 51 ሰባት ከምዝሞቱ 82 ድማ ምቁሳሎም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ትማሊ ሰሉስ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝሓወሰ ኣብቲ ዞባ እናተበኣኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቶም ንምዝርራብ ሎሚ ረቡዕ ናብ እስራኤል ክኸዱ ውጥን እንተነበሮም'ኳ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ግን ጉተረስ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ኣብ እስራኤል ዝሃብዎ መግለፂ ብምውቃስ ናብ እስራኤል ንኸይኣትዉ ምኽልካሎም ኣፍሊጦም። እቲ መግለጺ ወሲኹ “ከምቲ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ንጽያፍ ተግባር ኢራን ዝኾነነኦ ብዘየማትእ መልክዕ ክኹንን ዘይኽእል ሰብ እግሩ መሬት እስራኤል ክረግፅ ኣይግባእን” ኢሎም።

ናይ ትማሊ ሰሉስ መግለፂ ጉተረስ ብፍሉይ ነቲ ሚሳይላዊ መጥቃዕቲ ኢራን ብፍሉይ ከይጠቀሱ ዝበኣአስ ዘሎ ጎንጺ ደው ክብል ዝፀወዐ ነይሩ።

መራሕቲ ጀርመንን ፈረንሳን ነቲ መጥቃዕቲ ኾኒነን ኣለዋ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ድማ ሎይድ ኦስቲን ንመጥቃዕቲ ኢራን “ዘሕፍር ተግባር መጥቃዕቲ” ክብሉ ኮኒኖምዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ገዛእቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሚሳይል ብምፍፃም “ዓብዪ ጌጋ” ፈፂሞም ድሕሪ ምባል “ዋጋ ከኽፍሎም” ምዃኑ ኣጠንቂቆም።

ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፕረዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ፅሑፍ ኢራን “ ነቲ ዓማፂት ስርዓት ፅዮናውያን ወሳኒ ግብረመልሲ ሂባ” ክብሉ ጽሒፎም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኖም ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ካብ ዋይት ሃዉስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ብኣይ ወገን ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ንሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብንቅሓት ዝድግፎ ኾይኑ እቲ ተግባር ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ንግምግሞ ዘለና ኮይኑ ስጋብ ሕጂ ብዘሎ ግን ዝኸሸፈ መጥቃዕቲ እዩ ዝመስል” ኢሎም።

ከም ሓበሬታ ሰበስልጣን እስራኤልን ኣመሪካን ኢራን ትማሊ ሰሉስ ኣስታት 200 ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ ሰፊሕ ክፋል እስራኤል ከምዝተኮሰት ገሊፆም። መብዛሕትኦም ብሓይሊታት እስራኤልን ካብታ ቀንዲ መሓዛኣ ኣመሪካ ዝመፃ መራኽብ ውግእ ብዝረኸበቶ ሓገዝን ከተፍሽሎም ምኽኣላ ይግለፅ።