እስራኤል ንተተካኢ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሺም ሳፈዲኒ ምቕታላ ሓቢራ

ሊባኖስ - ዝፈረሰ ህንጻ

እስራኤል ኣብ መጀመርያ'ዚ ወርሒ ኣብ ጥቓ ከተማ ቤይሩት ኣብ ዝገበረቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ክኸውን ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ በዓል ስልጣን ከም ዝተቐተለት ኣፍሊጣ።

ሕዝቦላህ ብዛዕባ'ቲ ንሓሰን ናስረላህ ክትክእ'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ሓሺም ሳፊዲኒ ዝበሎ ነገር የለን።

እስራኤል ዘውጸኣቶ መግለጺ ሳፊዲኒ ምስ ካልኦት 25 መራሕቲ ሕዝቦላህ ኣብ መጀመርያ'ዚ ወርሒ ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሉ'ሎ ይብል።

ዝሓለፈ ሰሙን'ውን እስራኤል ኣብ ቓዛ ንሓዲሽ መራሒ ሓማስ ምቕታላ ይዝከር።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን እስራኤል ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን: ሞት ሲንዋር ኵናት ቓዛ ንኸብቅዕን፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ንክፍትሑን ዕድል ዝኸፍት'ዩ ኢሉ።

እስራኤል ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ክቕጽል ተወሳኺ ጻዕሪ ክትገብር'ውን ተማሕጺኑ ኔሩ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል እቲ ርክብ ምርድዳእ ዝነበሮ 'ዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።