ዋሽንግተን —
ዝተሓደሰ--ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ተበጺሑ ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምቕጻሉ ኣብ ካይሮ ግብጺ ትማሊ ሓሙስ ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ሚኒስትሪ ዜና ግብጺ ኣመልኪቱ። ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ስምምዕ ጽባሕ ቀዳም ዘብቅዕ ኰይኑ፡ እዚ ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝዓለመ ካልኣይ ገጽ ንምትግባር ሰብ-መዚ እስራኤል፡ ቐጠርን ኣመሪካን ንነዊሕ ሰዓታት ዝኸደ ዘተ ከም ዘካየዱ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።
እስራኤል ነቲ ቀዳማይ ዙር ምቍራጽ ተጻብኦ ብ42 መዓልታት ከተናውሖ ከም እትደሊ ንሮይተርስ ርእይቶ ዘካፍሉ ሰበ-መዚ ግብጺ ሓቢሮም። ሓማስ ግን ኣብ ክንዲ ንቐዳማይ እብረ ኣብ ክንዲ ምንዋሕ ናብ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ስምምዕ ክስገር ጸቒጡ ይምጉት።
ካልኣይ ገጽ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብሓማስ ጂሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብምሉኦም ዝለቅቕን ንዂናት ንዅሉ ግዜ ንምዕራፉ ዝዝቲን ምዃኑ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ እስራኤል ካብቶም ሒዛቶም ዘላ ቦታታት ፍልስጤም ክትስሕብ ድማ ትጽቢት ይግበር።
እስራኤል 59 ዜጋታታ ጂሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ትሕብር። ካብኣቶም እቶም 24’ዮም ብህይወት ከም ዘለዉ ይእመን።