ኣብ ትሕቲ ሓማስ ዝተታሕዙ ንምውጻእ ዝርርብ ይካየድ፡ መጠናዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ክኸፍት የተስፉ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

▶ኣብ ትሕቲ ሓማስ ዝተታሕዙ ንምውጻእ ዝርርብ ይካየድ፡ መጠናዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ክኸፍት የተስፉ

ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ንገለ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሲቪላውያን ዜጋታት ንምልቃቕ ዝርርብ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ዘተ በቲ ዝተሓስቦ ምስ ዝኸይድ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳብ ንመዓልታት ኣህዲኡ፡ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዕድል ክህብ ተስፋ ይግበሮ ።

ጋዜጣ ዘ-ዋሺንግተን ፖስት ከም ዘስፈሮ፡ ጉጅለ ሓማስ ካብቶም ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ዜጋታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ክለቅቕ ተሰማሚዑ ኣሎ። እዚ ብመንጎኘንት ኣመሪካ ምዃኑ’ዩ። ኣምሳያ ናይቲ ናጻ ምልቃቕ ድማ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ካብቲ ተቐሚጡ ዘሎ ቅድመ-ኩነት’ዩ። እዚ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ከዕብዮ ትጽቢት ይግበር።

ምኽትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ ጆን ፊነር ምስ ቴለቪዥን ኤቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሖት፤ “ገና ኣይወዳእናን ኣሎና። ኣብቲ ዘተ ብዙሕ ጉዳያት’ዩ ዝልዓል ዘሎ። ሕጂ ንዅሉ ከም ውዱእ ጌርካ ምቕራቡ ምናልባት ከጸግም ይኽእል ይኸውን። እቲ ንዝርርብ ዝቐርብ ዘሎ ጉዳያት ኩሉ ክዛረበሉ ኣይኰንኩን። ምኽንያቱ ኵሉ መዘራረቢ ዛዕባታት ኣቐዲሙ ናብ ህዝቢ ኣይቀርብን’ዩ። እንተዀነ ጽቡቕ ተስፋ ከም ዘለዎ ክገልጽ እፈቱ። ኣብ ሓጺር እዋን ብጽቡቕ ተዛዚሙ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንገዛኦም ክምለሱ ተስፋ እገብር።”

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ደብዳብ ኣየዕረፈን። ሓማስ ኣስታት 240 ዜጋታት ጆሆ ከም ዝሓዘ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እስራኤል ብእትገብሮ ዘላ መልሰ-መጥቃዕቲ ድማ ዛጊት ኣብ ቓዛ ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ዝዀኑ ኣስታት 12-ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ሓማስ ጅሆ ሒዞምዎ ካብ ዝነበረት ሲቪላውያን ዜጋታት ንውሑዳት ናጻ ምልቃቓ ይፍለጥ። ዝበዝሑ ግን ደሃይ የብሎምን።

ኣምባሳድር እስራኤል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ማይክ ሀርዞግ ግን ካልኦት ጅሆ ተታሒዞም ንዘለዉ ኣብ ምውጻእ’ውን ተስፋ ከም ዘሎ’ዩ ይሕብር።

“ሓያሎ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነፍትሖም ተስፋ ኣሎና። እቲ ጉዳይ ተኣፋፊ ስለ ዝዀነ ኣብ ዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን። ውሑድ ብዝተዛረብናሉ ድማ ዝበለጸ ውጽኢት ክንረክብ ከም እንኽእል እኣምን። እንተዀነ ጽዑቕ ዘተን ዝርርብ ይግበር ከም ዘሎ ክሕብር እፈቱ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ውጽኢት ክርአ እትስፎ።”

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም፡ ዛጊት ኣስታት 900-ሽሕ ፍልስጤማውያን ተመዛቢሎም ምህላዎም ይጠቅስ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሰ ግዜያዊ መጽለሊ ዘለዉ’ዮም። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ’ዩ። እቲ ትካል ካብቲ ገሚቱዎ ዝነበረ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከም ዝዓቢ ይንገር።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናይ ቓዛ ዝዓበየ ምዃኑ ዝነገረሉ ሆስፒታል ሺፋ፡ ኵሉንትናኡ ዓንዩ መቐመጢ ጅምላዊ ሬሳታት ኰይኑ ምህላዉ ይሕብር። ኣብቲ ንብረቱ ዝዓነወ ሆስፒታል ኣስታት 80 ሬሳታት ኣብ ኣፍደገኡ ምህላዎም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ውድብ ጥዕና ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዝተገብረ ምርድዳእ፡ ቅድሚ መዓልቶም ዝተወልዱ ዕሸላት ናብ ካልእ ዝሓሸ ማእከላት ጥዕና፡ እንኮላይ ንግብጺ ምልኣኾም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ጉዳይ ስደተኛታት ፍልስጤም ዝዀነ ቶማስ ዋይት ግን ንነበርቲ ቓዛ እቲ ሽግር መሪርን ተስፋ ዝተሳእኖን ምዃኑ’ዩ ይገልጽ።

“መብዛሕትኦም ንስድራኦም ጽባሕ እንታይ ከም ዝቕርቡሎም’ዮም ዝሓስቡ ዘለዉ። እንተዀነ፡ መጻኢ ብዓቢኡ ከመይ ክመስል’ዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘተሓሳስብ ዘሎ ሕቶ’ዩ። ኣበይ ክነብሩ? ደቆም ኣበይ ከምህሩ? እንታይ ዝመስል መጻኢ ኣለዎም? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ብዙሓት ነባሮ ቓዛ ዝመላለስ ዘሎ ሕቶታት’ዩ።"

ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሻዱሻይ ሰሙኑ ኣብ ዝሓዘሉ፡ ናብ ቓዛ ኣትዩ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ንኡስ’ዩ። ተሰከምቲ ናይቲ ኣደራዕ ኰይኖም ዘለዉ ድማ ፍልስጤማውያን’ዮም። ኣብ መንጎ’ቲ ክልተ ሓዊ ተቓቒሮም እቲ ቃጸሎ ክዓርፍ ትጽቢት ይገብሩ።

ነቶም ኣብዚ መንቀራቕሮ ሞትን ሕይወትን ዝርከቡ ፍልስጤማውያን፡ ኲናት ንግዜኡ’ውን ይዅን ምዕራፍ ማለት ኣብ መንጎ ሞትን መጠናዊ ዕረፍቲን’ዩ። እቲ ኲናት ደው ምስ ዝብል ድማ ረዲኤት ህይወት ኣድሕን ክኣትዎም ይትስፈዉ።