እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ሮኬት ህዝቦላሕ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ደብዳብ ፈጺማ

  • ዜና ቪኦኤ

ደብዳብ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 0 28 ሰነ 2024

ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ህዝቦላሕን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዶባት ክልቲኣን ሃገራት ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻሞም ተፈሊጡ።

ህዝቦላሕ እቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ’ቲ ትማሊ ረቡዕ ብእስራኤል ዝተወስደን ንሓደ ካብ መራሕቲ’ቲ ጉጅለ ዝቐተለ መጥቃዕቲን ምዃኑ ይገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል ንመብዛሕቲኡ እቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ከምዘኽሸፈ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ።

እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ብመንጎኛነት ቐጠር ዝቐረበ ሓሳብ ምቁራጽ ተኵሲ የጽንዖ ከምዘሎ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ ሕጂ እዋን’ሎ።

ኣብ ምቁራጽ ተኵሲ ሓማስን ምልቃቕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባትን ብዝምልከት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ቐጠር፡ ግብጺን ኣመሪካን ብመንጎኝነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብዚ ሕጂ ዝቐረበ ሓማስ ምላሽ ዝሃበሉ ውጥን ኣብ ወርሒ ግንቦት ብፕረዚደንት ባይደን ዝቐረበ ብሰለስተ መድረኽ ዝካየድ ውጥን’ዩ።