እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝወሰደቶ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ መሬት መጥቃዕቲ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ`ሎ። እንተኾነ እስራኤል ነቲ ኲናት ናብዛ ንእሽቶ ግን ጻዕቒ ህዝቢ ዘለዋ መሬት ምውሳዳ ንሰበ-ስልጣን ዋሺንግተን፡ ቴህራንን ኣንካራን ኣዘራራቢ ኮይኑ`ሎ።
ዋይት ሃውስ ድማ ዝተወሰነ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ምእታውን ቴሌኮሚኒኬሽን ዳግም ናብ ስራሕ ምምላሱን ብሓጎስ ተቐቢለዮ ኣለኹ ይብል ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ካብ ግጭት ረሓቑ ዝብል መጠንቀቕትኡ`ውን ደጊሙ`ሎ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ዳይሬክተር ስትራተጂክ ኮሚኒኬሽን ጆን ከርቢ "ነዚ ግጭት ክምዝምዝ ንዝደሊ መልእኽትና እዚ ዝስዕብ`ዩ፡ ከይተገብርዎ፡። ከም ትፈልጥዎ ድማ ኣብቲ ዞባ ሓይልና ኣብ በቦትኡ ኣትሒዝና ኣለና። ዝኾነ ናብቲ ግጭት ክዘልል ዝፍትን፡ ኣብቲ ዞባ ዘለና ሃገራዊ ረብሓ ንምኽባር ድሕር ንብል ከም ዘይኮና ክፈልጥ ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንዝርከብ ዳዕሽ ዝከታተል ትካላትን መሳልጣያታት ከም ዘለና`ውን ክፍለጥ ኣለዎ።"
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ካብ ቴል- ኣቪቭ ዝመጸት ነፋሪት ኣብ ናይ ሩስያ ዞባ ዳጀስታን ድሕሪ ምዕላባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ጸረ-ሰመቲክ እናጨርሑ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወሪሮሞ።
ፕረዚደንት ሩስያ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠመ ኩነታት ናይ ወጻኢ ምትእትታው ክብል ንምዕራባውያን ከሲሱ`ሎ፡ "እቲ ትማሊ ኣብ ማክሃችካካ ዘጋጠመ ኩነታት ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝነቐለ`ዩ። ንሱ ድማ ካብ ዩክሬን ዝብገስ ብወከልቲ ስለያ ምዕራባውያን ሃገራት ዝፍጸም ስራሕ`ዩ።"
ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ክርቢ ግን ልሙድ ክሲ ሩስያ ክብል ነጺግዎ`ሎ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይፕ ኦርደዋን ብወገኑ ምስ ኣመሪካ ኣይተሰማምዐን ዘሎ፡ ብፍላይ ኣመሪካ ንሓማስ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ምእታዋ ተሓተቲ ካልኦት`ዮም ይብል።
"ኣብ ጭፍጨፋ ቓዛ ቀንዲ ተሓተቲ ምዕራባውያን`ዮም።"
ሰበ-ስልጣን ኢራን`ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘስምዕዎ ክሲ ናብ ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ኣዕሪጎሞ ኣለዉ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሖሰይን፡ ኣሚር፡ኣብዶላሒያን ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ጉዳይ ናብ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት ወሲድዎ ኔሩ።
“ ሰለስተ ሰሙን ሓሊፉ`ሎ፡ ጎባጢ ስርዓት እስራኤል ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ፍልስጤም ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ክፍጽም። ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ምስቲ ጎባጢ ስርዓት እስራኤል ወጊነን ኣለዋ። እዚ ድማ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝጻረር ተግባር`ዩ።"
ክርቢ ብወገኑ፡ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ዘይምስምማዕን ጎንጽን ንጹር መስመር የቐመጥ፡ ኣንጻር ሰመቲዝም ዝግበር ናዕቢ`ውን ብዕቱብ`ዩ ዝከታተሎ ይብል።
“ መሰል ሰለማዊ ተቓውሞ ንኣምን ኢና፡ ወላ`ውን ዘይንድግፎ ሓሳባት ዘሰጉም እንተኾነ። ግን ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ጎንጺ ክሰግርን ህዝባዊ ናዕቢ ከልዕልን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ዳጅስታን ዝተራእየ ድማ ከምኡ`ዩ። ስለዚ ዘሻቕለና`ዩ፡ ምስ መሓዙትናን መሻርኽትናን`ውን ምዝርራብና ክንቅጽለሉ ኢና።"
እንተኾነ እዚ ጉዳይ`ዚ ዋይት ሃውስ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ`ውን እናጋጠሞ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ`ዩ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ፍልስጤማያንን ንእስራኤል ዝቃወሙን ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ተቓውሞታት ምስምዖም ቀጺሎም ኣለዉ።