ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ፡  ኩሎም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው እስራኤላውያን ክሳብ ዝፍትሑ፡ ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብ ገለ ክፋላት ቓዛ ክጸንሑ ዘፍቅድ`ዩ።  እቲ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጹ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ከፊላዊ ምንስሓብ ክገብሩ ይጽውዕ ። እዚ እቶም ናብ ደቡባዊ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ሃዲሞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዘሎ ገዛውቶም ክምለሱ ንምፍቃድ'ዩ።