ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ኩሎም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው እስራኤላውያን ክሳብ ዝፍትሑ፡ ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብ ገለ ክፋላት ቓዛ ክጸንሑ ዘፍቅድ`ዩ።
እቲ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጹ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ከፊላዊ ምንስሓብ ክገብሩ ይጽውዕ ። እዚ እቶም ናብ ደቡባዊ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ሃዲሞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዘሎ ገዛውቶም ክምለሱ ንምፍቃድ'ዩ።
ኣብ ካልኣይ ደረጃ እቲ ስምምዕ ድማ፡ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ምስ ተፈትሑ ሰራዊት እስራኤል ጠቕሊሉ ካብ ቓዛ ክወጹ ከም ዘለዎም ይሕብር። እዚ ግን ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል `ዩ ይብል ዮናህ ባብ ተንታኒ ጀሩሳለም ፖስት።