ዋሽንግተን —
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት(ኣይ-ሲ-ሲ)፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁንን ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረ ዮዋቭ ጋላንትን በቲ ኣብ ኲናት ቓዛ ተፈጺሙ ብዝበሎ ገበናት ኲናትን ጸረ- ሰብኣውነትን ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ንሰባት ብምጥማይ፡ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ብምፍጻም ከምኡ`ውን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብምፍጻም ገበነኛታት እዮም ኢልዎም።
እስራኤል ኣባል ኣይ-ሲ-ሲ ኣይኮነትን፡ ነተንያሁን ጋላንትን`ውን ቅጽበታዊ ማእሰርቲ ኣይጽበዮምን፡ እንተኾነ ግን ናብ ካልኦት ሃገራት ክገሹ ከለዉ ከም ሕቶ ክልዓል ይኽእል`ዩ ይብል ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ።
ነተንያሁ ነቲ ኣይ-ሲ-ሲ ዝተመሓላለፈ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኮኒንዎ`ሎ።
ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ ድማ ላግጺን ናይ ሓሶት ክሲን ክብል ነጺግዎ`ሎ።
እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ንወተሃደራዊ ሓላፊ ሓማስ መሓመድ ደይፍ`ውን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ኣሎ።