ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ። ሓማስ ግን እዚ ውዲት እስራኤል`ዩ ብዝብል ከይትወጹ ይብሎም ኣሎ። እስራኤል ብነፈርቲ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ትድብድበሉ ዘላ እዋን፡ ዳርጋ ፍርቂ`ቲ ህዝቢ ናብ ደቡብ ገጽኩም ህደሙ ትብሎም ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እስራኤል ብእግረኛ ሰራዊት ናብ ቓዛ ክትኣቱ ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን`ዩ።