እስራኤል ደብዳብ ኣብ ቓዛ ኣሓይላ'ላ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

እስራኤል ደብዳብ ኣብ ቓዛ ኣሓይላ'ላ

እስራኤል ንቓዛ ብመሬት ንምውራር ኣብ ትዳለወሉ ዘላ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ኣሐይላ`ላ። ኣብዛ ዝሓለፈ መዓልቲ ጥራሕ 700 ሰባት ከምዝሞቱ ፍልስጤማውያን ኣፍሊጦም ኣለዉ። 2.3 ሚልየን ህዝቢ ቓዛ ድማ ብዘይ ማይ: መግብን መድሃኒት ይተርፍ ኣሎ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓለዋ ኣሐይላ ዘላ ኣመሪካ ድማ እቲ ኲናት ናብ ምሉእ`ቲ ዞባ ከይሰፍሕ ትሰግእ ኣላ።

7 ጥቅምቲ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ሓማስ ተሪር ግብረ መልሲ እስራኤል ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ተቐርቂሮም ዘለዉ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ፍልስጤማውያን ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ይጽንቀቖም ኣሎ። ለንቅነ ክኣትዋ ዝጀመራ ሒደት ናይ ረድኤት ቃፍላይ ኣብ ቁጽሪ ዝኣትዋ ኣይኮናን፡ ምስቲ ሕቡራት ሃገራት ዝጠልቦ ዘሎ ክወዳደር ከሎ፡ ንሰን`ውን ብዘይ ነዳዲ ክንቀሳቐሳ ኣይክእላን`የን ይብል።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚንስትሪ ጥዕና ኣብ ውሽጢ`ዛ ዝሓለፈ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 700 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ሃሊቖም ኣለዉ ይብል። ቅድሚ`ዚ ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዝሓለፈ 18 መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 5-ሺሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝምራሕ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ`ሎ። ዝቖሰሉ ልዕሊ 15-ሺሕ`ዮም ይብል። ኣብ እስራኤል ድማ ልዕሊ 1,400 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ። ሓማስ ሒዝዎም ዘሎ ወጻእተኛታት ዝርከቦም እስራኤላውያን ድማ ቁጽሮም 222 እዩ። ዛጊት ኣርባዕተ ተለቒቖም ኣለዉ።

ኣመሪካ ንእስራኤል ወተሃደራዊ ሓገዝ ምግባራ ቀፂላ`ላ። ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ'ውን ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣስፊራ`ላ፡ እዚ ድማ እቲ ኣይረን ዶም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝሓየለ ምክልኻል ሚሳይል ንእስራኤል ዝህብ`ዩ።

ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ነተንያሁ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ንኹልና ስግኣት ዝኾኑ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሽበራዊ ጉጅለታት ንምቅላስ ሓደ ጥምረት ክምስረት ሓሳብ ኣቕሪቡ ኔሩ። እቲ ጥምረት ዝበሎ ከምቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣንጻር ዳዕሽ ዝተገብረ ኲናት ዝመሳሰል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕጂ ድማ ኣንጻር ብኢራን ዝድገፍ ናይ ሊባኖስ ሂዝቦላህ ኢራን ንባዕላን ናይ የመን ሑቲን ሓደ ወተሃደራዊ ኪዳን ምቛም ከም ዘድሊ ተዛሪቡ። ካብቶም ሓማስ ሒዝዎም ዘሎ ትሸዓተ ፈረንሳውያን ከም ዘለዉ ይእመን።

ፕረዚደንት ማክሮን "እቲ ኩናት ብዘይ ምሕረት ክኸውን ኣለዎ፡ ግን ብዘይ ሕጊ ክኸውን የብሉን፡ ምኽንያቱ ደሞክራሲ ሕጊ ኲናት ስለዘኽብር"ኢሉ ። ደሞክራሲ ዝኾና ሃገራት ንሲቪላት ዒላማ ኣይገብራን `የን ኢሉ፡ ከምኡ ምባሉ ግን ንእስራኤል ይመስል፡ ምኽንያቱ ኣብ ቓዛ ሲቪላት ብምቕታል ብገለ ትንቀፍ ስለዘላ ከምኡ`ውን ረድኤትን ኤለክትሪክን ናብ ቓዛ ክኣቱ ጸዊዑ`ሎ።

ነተንያሁ ብወገኑ ንቕትለት ሲቪላት ተሓታቲ ሓማስ`ዩ፡ ግን ዝክኣለና ክንገብር ኢና ይብል። ሓማስ ከይተደምሰሰ ኲናት ኣይክዓርፍን ምባሉ`ውን ይዝከር።

ብኻልእ ዜና ኣመሪካ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ጥንቃቐ ክወስዳ ኣተሓሳሲባ ኣላ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ካብ የመን ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ`ዩ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነቲ ብዕጡቓት ሑቲ ተተኩሱ ኢሉ ዝኣምነሉ ሚሳይላት ድሮን ወቒዑ ከም ዘውደቐ ይገልጽ።

ኣብ ሊባኖስ ድማ ምስ ሂዝቦላህ ዝወገነ ፖለቲከኛ፡ ሊባኖስ ምስ እስራኤል ኩናት ኣይከተበግስን`ያ፡ እንተ ተጠቒዓ ግን ነብሳ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክትወስድ`ያ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ። ክርስትያናዊ እምነት ዘለዎ ፖለቲከኛ ገብራን ባሲል ኣብቲ ዘረብኡ፡ ብዘይ ግብረ መልሲ ስቕ ኢልና ክንህረም ኣይክንፈቅድን ኢና ኢሉ`ሎ።

ኣስታት ፩፶ ሺሕ ሮኬታት ከም ዝዓጠቐ ዝእመን ሂዝበላህ ናብ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ኣብ ከመይ ኩነታት ይጽንበር ይኸውን ዝብል ስግኣታት ይስማዕ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ድሮ ከባቢ 20-ሺሕ ኣብ ሊባኖስ ከም ዘፈናቐለ ወድብ ማይግረሽን ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ`ሎ።

ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ዝሓለፈ ለይቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ እትርከብ ራፋሕ ብርክት ዝበለ ኣባይቲ ደብዲበን ብውሕዱ 28 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሚንስተር ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሎሚ ንግሆ ድማ ኣብ ካሃን ዮኑስ ንሓደ መዕቆቢ ስደተኛታት ህንጻ ከም ዝሃረማን ብዙሓት ግዳያት ከም ዘለዉ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ሓደ ጋዜጠኛ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣምቡላንሳት ክልተ ዝሞቱን ክልተ ዝቖሰሉ ካብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ከውጽኣ ርእዩ`ሎ። ናይ ፍልስጤማውያን ማሕበር ቀያሕ ወርሒ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብጻዕቒ ዝነብርሉ ከባቢ ምንባሩ ጠቒሱ`ሎ። ኣብ ጥቓ `ቲ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ብምንባሩ`ውን ኣብቲ ሆስፒታል ተዓቑቦም ኣብ ዝነበሩ ኣስታት 4-ሺሕ ሰባት ጭንቀት ከም ዝፈጠረ ማሕበር ቀያሕ ወርሒ ገሊጹ`ሎ።

ድሕሪ ስምዕታ እስራኤል፡ ናይ መሬት ወራር ክትጅምር ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማያውያን ናብ ዶብ ግብጺ ሃዲሞም ኣለዉ። እንተኾነ እስራኤል ንደቡባዊ ቓዛ `ውን ምድብዳባ ኣየቋረጸትን። ሕቡራት ሃገራት ድማ እቲ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሒደት ረድኤት `ውን ማይ ኮነ ነዳዲ ስለዘየለ ረብሓ የብሉን ይብል ኣሎ። ወሃቢት ቃል ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን፡ ታሚራ ኣልሪፋይኣብ ግዜ ሰላም ንመዓልቲ 500 ናይ ጽዕነት መካይን ዝኣትዋ ዝነበራ፡ ሎሚ ብድምር ዝኣተዋ 54 ትራካት ጥራሕ `የን ትብል ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ጣኒ እስራኤል ንክትቀትል ቀጠልያ መብርሃቲ ክወሃባ የብሉን ኢሉ። ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል-ጣኒ፡ እስራኤል ንክትቀትል ናጻ ፍቓድ ምሃብ ምኽኑይ ኣይኮነን ኢሉ። ቤት ጽሕፈት ሓማስ ዘለዋ ቐጠር ኣብ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ምሽምጋል መሪሕ ተራ ትጻወት ንእሽቶ ሃገር`ያ። "ይኣክል ንብል ኣለና ኣብዚ እዋን`ዚ ማይን መድሃኒትን መግብን ከም ኣጽዋር ተቖጺሩ ንምሉእ ህዝቢ ምዕጻዉ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን" ዝበለ ኣሚር ቐጠር፡ መንግስትነት ፍልስጤማውያን ብመሰረት ናይ1967ዶብ እስራኤል ክምስረት ኣለዎ ክብል ጸዊዑ። እቲ ከምኡ ዝብል መርገጽ ብኻልኦት ሃገራት ኣዕራብ `ውን ዝድገፍ`ዩ፡ እንተላይ ስዑዲ ዓረብ።

ኣብ እስራኤል ብሰንኪ `ቲ ኲናት ናይዚ ዓመት ትምህርቲ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ተደናጉዩ`ሎ፡እዚ ማለት እቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ትገብሮ ኲናት ክናዋሕ ከምዝኽእል ዘመላኽት ኮይኑ`ሎ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን 19 ጥቅምቲ ክጅመር ዝነበሮ ትምህርቲ ሕጂ ክሳብ 3 ታሕሳስ ከምዘይጅመር ረድዮ ሰራዊት እስራኤል ኣሰሚዓ`ላ።