ዋሽንግተን —
ኣብ ልዕሊ ወደባትን ትካላት ጸዓትን ሑቲ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት የመን ደብዳብ ዝፈጸመት እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብኢራን ዝድገፉ ሚልሻታት ገና ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምትፍኑ ኣጠንቂቓ።
ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ስርሒት ኣብ ዝነበራሉ እዋን፣ ናብ እስራኤል ዝተተኮሱ ሚሳይላት ሑቲ ከምዝተወቅዑ’ውን እስራኤል ገሊጻ ኣላ።
ምስ ሓማስ ዝወገኑ ሚልሻታት ሑቲ ብወገኖም ለይቲ ኣብ ልዕሊ ቴል-ኣቪቭ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ፣ ቦልስቲክ ሚሳይል ተኺሶም ዒላማኦም ከምዝወቅዑን ገሊጾም ኣለው።
እስራኤል ን14 ነፈርቲ ውግእ ከምዝተጠቀመትን፣ ኣብ ፈላማይ ስርሒት ንወደባት ሳሊፍን ራስ ኢሳን፣ ኣብ ካልኣይ ስርሒት ድማ ንሰንዓ ከምዝወቕዓን ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ነዴቭ ሾሽናይ ምግላጹ ጸብጻብ ሮይተርስ ሓቢሩ።