እስራኤል ነቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ልዝብ ምቁራፅ ተዅሲ ንምስታፍ ተሰማሚዓ 

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ- ፋይል

እስራኤል ነቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ልዝብ ምቁራፅ ተዅሲ ንምስታፍ ተሰማሚዓ።

እዚ ዝኸውን ኣመሪካ፣ ቐጠርን ግብፅን ውግእ ጠጠው ንክብልን ዝተረፉ ጅሆ ዝተትሓዙን እሱራትን ንክፍትሑን ስምምዕ ክግበር ምሕታተን ስዒቡ እዩ።

ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ክሽምግላ ዝፀንሓ ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ ናይ ሓባር መግለፂ ተዅሲ ደው ምባልን ዝተረፉ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሓራ ንምውፃእን ብስምምዕ ክኽተም፣ ‘’ኣብ ቓዛ ነዊሕ ዝፀንሐ ስቓይ ህዝቢ ከብቅዕ ረድኤት ንክኣቱን ስቓይ ስድራ ጅሆታት ሒዞም ዘለው ከብቅዕን’’ እዋኑ ሕጂ እዩ ኢለን።

ክልቲኦም ወገናት 15 ነሓሰ ኣብ ዶሃ ወይ ኣብ ካይሮ ዝርርቦም ክቕፅሉ መንጎኛታት ፀዊዖም ኣለው።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ‘’ዝርዝር ስምምዕ ንምጥቕላል ናብቲ ስምምዕ ዝብፅሓሉ ቦታ’’ ሓደ ጉጅለ ዘተ ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ። ሓማስ ልኡኽ ክሰድድ እንተኾይኑ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንእስራኤል ካብቲ ኢራንን ብኢራን ዝደገፉ ናይ ውክልና ሓይልታትን ከጋጥም ንዝኽእል መጥቓዕቲ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሓዱሽ ደጋፊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣትዩ'ሎ።

ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ዝእዝዝ ማእኸላይ እዚ ኣመሪካ ፍ-22 ራፕቶርስ ተባሂለን ዝፅውዓ ነፈርቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ከባቢ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ።