ቀንዲ ተጠርጣሪ መጥቃዕታት ቱርኪ ዳዕሽ’ዩ

አብቲ ዝሓለፈ ቐዳም አብ ቱርኪ 97 ዝቐተለ ድርብ መጥቃዕቲ ቀንዲ ተጠርጣራይ ዳዕሽ’ዩ ኢሉ ናይ ቱርኪ ቀዳማይ ሚኒስትር አሕመት ዱቫቶጉ።

“ ነቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ወገናት ንምልላይ ቁርብ’ዩ ተሪፉ። ጭብታት ምርመራ ናብ ሓደ ወገን’ዮም ዝእንፍቱ እቲ ሓደጋ ዝፈጸመ አካል ብከመይ አብዚ ደረጃ ከምዝበጽሓ’ውን ተፈሊጡ’ዩ” ይብል ቀ/ ሚኒስትር ዱቫቱጉ

ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ሕዳር 1,2015 ዓ.ም ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ከተዓናቅፍ ዝዓለመ’ዃ እንተነበረ እቲ ምርጫ ግን ከምቲ ዝተመደበ ክቅጽል ምኳኑ ሓቢሩ’ሎ።