ዳዕሽ ናብ ኣፍሪቃ የሳፍሕ

ኣብ ሶርያ ዝመደበሩ እስላማዊ ግዝኣት-ዳዕሽ፡ ናብ ኣፍሪቃ`ውን ኢዱ ብምዝርጋሕ ካብ ናይጀርያ ክሳብ ሶማል ዝበጽሕ ጽልዋ ብምፍጣር ተኸተልቱ ይምልምል ኣሎ።

ንቪኦኤ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ወተሃደራዊ በዓል-ስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ከባቢ ከተማ ሲርቲ፡ ኣስታት 2000 ዕጡቓት ከምዘለውዎ ገሊጹ`ሎ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝቖመ ወተሃደራዊ እዚ ዝመርሕ ሪር ኣድሚራል ሚካኤል ፍራንከን፡ ድሕሪ`ቲ ምስ ዳዕሽ ዝተጸንበረ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣሸባሪ ቦኮ ሓራም፡ ናይ ሶማሊያ ኣል ሸባብ`ውን ገለ ኣባላቱ ናብ ዳዕሽ ክቕይሩ ከምዝጀመሩ ገሊጹ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዳዕሽ ናብ ኣፍሪቃ የሳፍሕ