ዋሽንግተን —
ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቴህራን ኢራን ኣብ መገሻ እንከሎ ዝተቐንጸለ መራሒ ጉጅለ ሓማስ፡ እስማዒል ሃኒየ፡ ሬሳኡ ሎሚ ሓሙስ ብላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ስነ-ስርዓት ጸሎት ተኻዪዱሉ። ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴህራን ዝተኻየደ ናይ ዱዓ (ጸሎት) መደብ ብኣያቶላህ ዓሊ ኾማኒ ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት’ውን ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፒዚሽካን ተረኺቡ ነይሩ።
ሬሳ እስማዒል ሃኒየ ድሕሪ ስነ-ስርዓት ጸሎት ናብ ኣደባባይ ቴህራን ኣብ ዝምርሓሉ ህዝቢ፡ ዕንባባታት እናሰንደወ ከሰንዮ ሃገራዊ መደበር ቴሌቭዥን ኢራን የርኢ ነይሩ።
ሬሳ ሃኒያ ኣብ መጨረሽታ መዕረፊኡ ናብ ቐጠር ንምቕባር ዓርቢ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
እስራኤል ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ነቲ መራሒ ንምቕንጻል ኣብ መደብ ሒዛቶ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንጽንብል መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ናብ ቴህራን ምስ ተጓዓዘ’ዩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ብነፈርቲ እስራኤል ተቐንጺሉ።