“መሰጋገሪ ፍትሒ፣ ንእጃም ዓለምለኸ ትካላት ኣይትክእን” ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

Your browser doesn’t support HTML5

ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተሓሲቡ ዘሎ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ሕቶታት ከምዘለውዎ ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምድናይ ፍትሒ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ዋላ እኳ ኣድላዪ እንተኾነ ትካላት ኢትዮጵያ ግን ነዚ መስርሕ ንምፍፃም ዘኽእል ገለልተኝነት የብለንን ኢሎም፡፡