ኣዲስ ኣበባ —
ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተሓሲቡ ዘሎ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ሕቶታት ከምዘለውዎ ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምድናይ ፍትሒ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ዋላ እኳ ኣድላዪ እንተኾነ ትካላት ኢትዮጵያ ግን ነዚ መስርሕ ንምፍፃም ዘኽእል ገለልተኝነት የብለንን ኢሎም፡፡ ከይዲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ይሕሰብ ዘሎ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፣ ንክልል ትግራይ ዘሳተፈ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቶ ኣማኑኤል ከምዚ ዓይነት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ምፅራይ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንእጃም ዓለምለኸ ትካላት ክትክእ የብሉን ይብሉ፡፡