“ህወሓት ውሽጣዊ ፍልልያቱ እንተ ዘይፈቲሑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንምምሕዳር ክርከቦ’ዩ፡” ኣይተ ጌታቸው ረዳ

Your browser doesn’t support HTML5

“ህወሓት ውሽጣዊ ፍልልያቱ እንተ ዘይፈቲሑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንምምሕዳር ክርከቦ’ዩ፡” ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዘሎ ውሽጣዊ ፀገም ምፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ፡ ምምሕዳር እቲ ክልል መንግስቲ ፌደራል ከም ዝርከቦ ከም ዘተሓሳሰበ፡ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምስ ማዕከናት እቲ ክልል ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሖት፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ወርሒን ፈረቓን ጥራሕ ልዕሊ 28 ኲንታል ወርቂ ከም ዝተረኸበ ብምግላፅ ካብዚ ግን ናብ መንግስቲ'ቲ ክልል ዝኣተወ ገንዘብ የለን ኢሎም።