ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ብወገን ክልል ትግራይ ቍጠዐ የስዕብ

Your browser doesn’t support HTML5

ካቢነ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሓይሊ ተወሲዱ ንዝበሎ መሬት፡ ክልል ኣምሓራ ኣብ ካርታ ኣእትዩ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣጠቓሊሉዎ ኣሎ ብምባል ብትሪ ኰኒኑ። እቲ ምምሕዳር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ካቢነ ፈደራል መንግስቲ’ውን ነቲ ብክልል ኣምሓራ ዝተወስደ ስጉምቲ መዕገቲ ብዘይምግባሩ ነቒፉ ኣሎ። ካብ ክልል ኣምሓራን ፈደራል መንግስቲን ኣብዚ ጉዳይ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይሰመረን።