ኣብ ከተማ ሸረ ብፕረ. ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተጸወዐ ኣኼባ ብሰንኪ ዕግርግር ተቛሪጹ

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ሸረ እንዳስላሴ ዝፀውዕዎ ህዝባዊ ኣኼባ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ተቋሪፁ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ትማሊ ሰንበት 15 መስከረም ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘተ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ብዝተፈጠረ ዕግርግር ከምዝተቋረፀ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ወሲዂ እቲ መድረኽ ንክርበሽ ተልእኾ ዝተውሃቦም ሰባት እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ከምዝተቋረጸ ሓቢሮም ።

ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ዝበዝሑ ሰባት ብፍላይ መናእሰይ እቲ ኣኼባ ክቕፅል ብዝልዓለ ድምፂ የቃልሑ ነይሮም ዝበለ እቲ መግለፂ፣ እቲ ኣኼባ ንኻልእ ግዜ ተናዊሑ ኢሉ።

ኣብቲ መድረኽ ተሳታፊ ዝነበረ ሳምሶን ክብሮም ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ፣ እቲ ኣኼባ መኽፈቲ ዝኽረ ሰማእታት እንትጅመር ድምፂ ብኽያት ዘስምዑ ሰባት ነይሮም፣ እቲ ብኽያት ድማ ናብ ዓውታን ዕግርግርን ተቐይሩ ኢሉ። በዚ ድማ እቲ ኣኼባ ተቋሪፁ ሕቶታት ህዝቢ ከይተሰምዐ ተሪፉ ክብል ተዛሪቡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣይተ ሓጎስ ካሕሳይ እቲ ኣኼባ ኣመራርሓ እቲ ከተማ ዘይፈልጥዎን ዘየተ ኣናገድዎ ምንባሩ ብምግላፅ፣ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበረ ኩነታት ሙሉእ ሓበሬታ የብለይን ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ተልእኾ ብዝተውሃቦም ሰባት እዩ እቲ ኣኼባ ተረቢሹ ተባሂሉ ዝተገለፀ፣ ናታቶም ኢድ ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉዳይ ካብ ኣመራርሓ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን ።