“ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ምድልዋትና ኣፃፊፍና ኢና፡” ሌ/ጀ/ ታደሰ ወረደ

Your browser doesn’t support HTML5

ተመዛበልቲ ንምምላስ ብወገን ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ከም ዝተዛዘመ፣ ምክትል ፕረዚዳንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምስ ማዕከናት ዜና ክልል ዝገበሩዎ ፃንሖት ገሊፆም። እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ መግለፂኦም፡ ናይቶም ካልኦት ኣካላት ካብ ቦታ ምስሓብ ኣብ እዋኑ ብዘይምፍፃሙ፡ ንምምላስ ተመዛበልቲ ክፀልዎ ምዃኑ ጠቒሶም።