መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ኣብ መንጎ ህወሓትን ጊዜያዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ፣ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ክፍፍል እዩ ክብል ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
እቲ ካብኔ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ኣመራርሓ ምሿምን ምውራድን እውን ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።
ብዝተሓሓዘ ጉባኤ ዘካሄዱ ኣመራርሓ ህወሓት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ትግራይ ህዝባዊ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።