ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዶ/ር ደብረጽየን ንዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ብዕልዋ መንግስቲ ከሲሱ

Your browser doesn’t support HTML5

ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዶ/ር ደብረጽየን ንዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ብዕልዋ መንግስቲ ከሲሱ

ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት “ብዕሊ ዕልዋ መንግስቲ የካይድ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።

እቲ ምምሕዳር ትማሊ ሰንበት 1 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውጽፀኦ መግለፂ ምስ ዝኾነ ኣካል ናብ ልዝብ ንምቕራብ ድልው ምዃኑ ብምግላፅ ጉዳይ ክፍፍል ስልጣን ግን ናብ ልዝብ ዝቐርብ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብቲ ጉዳይ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምላሽ ንምርካብ ብኣካል ብምቕራብን ስልኪ ብምድዋልን ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሸውዓተ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዋዕላ ድሕሪ ምክያድ ኣብዘውፅኦ መግለፂ፣ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዘሎ ክፍፍል ንምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ኢሎም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዘሎ ፍልልይ ብልዝብ ክዛዘም እቶም መሪሕነት ቃል ድሕሪ ምእታዎም በቲ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ምግላጹ ድሕሪ 10 መዓልታት'ዩ።