ኣብ ‘ፕራይሜሪስ’ እናተባሃለ ዝጽዋዕ ምርጫ ኣሜሪካ ሴነተር ቴድ ክሩዝ ካብ ሪፓብሊካን ፓርቲ ኣብ’ቲ ናይ ኣይዋ ካውከስ ተዓዊቶም። ካብ ደምበ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ ሂለርይ ክልንተንን በርንይ ሳንደርስን ማዕረ ነጥቢ ሒዞም ተፈላልዮም።
ዋሽንግተን —
“ሎሚ ምሸት፣ ዓወት ታሕተዎት ኣባላት ዝተረገገጸላ ምሸት’ያ። ሎሚ ምሸት ንደፋራት ዓቀብቲ መላእ ኣይዋ ከምዝተዓወቱ መረጋገጺት’ያ” ኢሎም ቴድ ክሩዝ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ”ውክልና ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ክንረክብ ክንምርሽ ኢና” በለ።
“ዝገርም’ዩ። ከመይ ዝበለት ምሸት’ያ! ዘይትእመን ምሸት” ኢለን ሂላሪ ክሊንተን። መወዳድርተን ሴነተር በርኒ ሳንደርስ’ውን ዓወት ኣዊጆም’ለው።
ናይ ቀደም ኣማሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ሜሪላንድ ማርቲን ኦማሊ፣ ኣማሓዳሪ ኣርካንሰስ ዝነበሩ ሪፓብሊካዊ ማይክ ሃከቢ፣ ትሑት ውጽኢት ስለዝረኸቡ ካብ’ቲ ውድድር ከምዝወጹ ኣፍሊጦም’ለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ምርጫ ኣይዋ ቴድ ክሩዝን ሂላሪ ክሊንተንን ተዓዊቶም