ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ሊብያ ተጨወዩም ዘለው ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ነጻ ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎ ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ
ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ሊቢያ ተጨዊዮም ገንዘብ ንኸከፍሉ ዝተሓቱ ኣስታት 200 ሶማሊያዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ መጨወይትን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ እዞም ሰባት ፈለማ 9 ሰነ,2017 ዓ.ም ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ኣብ ዝተዘገሓ ቪድዮ ምግላጹ ይፍለጥ።

ትካል ዓለምለኸ ፍልሰተኛታት ስድራ’ቶም ሰባት ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብቲ ቪድዮ ተሓቲቶም፡ እቶም ዝተታሕዙ ድማ ዝተፈላለየ ስቕያት ክፍጸሞም ኸለው ኣብቲ ቪድዮ ከምተራእየ ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ምንጪ’ቲ ቪድዮ ኣይተፈልጠን ግን ናይ ሓቂ ምኳኑ ኣየጠራጥርን’ዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝረአዩ ሰባት ኣዝዩ ዘስካሕክ’ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ሊብያ ተጨወዩም ዘለው ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ነጻ ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎ ሓቢሩ