ኣብ ገማግም ማዳጋስካር ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ 24 ሶማላውያን ሞይቶም

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ኣሕመድ መዓሊም ፊቂ

መብዛሕትኦም ሶማላውያን ምዃኖም ዝተፈልጡ 70 ተጓዓዝቲ ስደተኛታት ጃልብኦም ኣብ ወሰናስን ማያት ማዳጋስካ ኣንፈት ኣጥፊአን ድሕሪ ምስዋረን ብውሑዱ 24 ሰባት ምማቶም ሰብ-መዚ ሶማሊያ ሓቢሮም።

ካብቶም ተጓዓዝቲ 46 ከም ዝደሓኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ኣሕመድ መዓሊም ፊቂ ንመራኸቢ-ብዙሃን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ’ቶም ዝሞቱ ዜጋታት ኢትዮጵያ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ ኣሎ። ካብ መንግስቲ ዝተላእከ ኣካል ናብ ማዳጋስካር ተጓዒዙ ነቲ ጉዳይ ከም ዝምርምሮ’ዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ይጠቅስ።

ሰብ-መዚ ማዳጋስካር፡ ባዕላቶም እኹል ዳህሳስ ገይሮም ኣብ መደምደምታ ክሳብ ዝበጽሑ ኣሃዝ ምዉታት ንምሃብ ከም ዘይክእሉ ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ዝተባህለ ቍጽሪ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝተረኽበ ከምዝኾነ ዳይረክተር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ጨንፈር ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪቃ ፍራንዝ ሰለስቲን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቲ በዓልመዚ ትካል ስደተኛታት ከም ዝጠቕሶ፡ እቶም ተጓዓዝቲ፡ ጀልብኦም ኣንፈት ድሕሪ ምጥፋኣ፡ እቶም ተሳፈርቲ ብጥሜትን ጽምኢን ክሞቱ ከምዝጀመሩ ይገልጹ።