ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ትማሊ ዝተፈትሐ ኢንቨስተር ገሬ ወዲ ሴሮ ፖሊስ መሊሱ ኣሲሩዎ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ.ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዩኒቨስርቲ ኣሶሳ ምስ ዝነበረ ግጭት ተኣሳሲሩ ፖሊስ ጠርጢረዮ ኢሉ ኣብ ቁፅፅ ዘውዓሎ ኢንቨስተር ገብረእግዛብሄር ገብረመድህን(ገሬ ወዲ ሴሮ) ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ፣ብዓቃቢ ሕጊ ኽሲ ከይተመስረቶ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሓሙስ ብዋሕስ ምስ ፈትሖ ፖሊስ ሎሚ ዓርቢ መሊሱ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉዎ’ሎ።

በዓልቲ ቤቱ ፖሊስ ትማሊ ለይቲ ክኣስሩዎ ናብ ገዝኦም ከምዝመፁን ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ እንተለዎም ሓቲቱዎም ኣይሓዝናን ከምዝበሉዎን ንሱ ድማ ለይቲ ንዝኾነ ሰብ ኣይክፍትን ከምዝበሎምን ንጉሆ መፂኦም ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝኣሰሩዎምን ገሊፃ’ላ።

ፖሊስ ስለ ምንታይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሎ መብርሂ ንምርካብ ናብ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ኮማንደር መሓመድ ስልኪ ደዊለ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ገለፅኩሎም ድሕሪ 10 ደቓይቕ ደውል ኢሎምኒ መሊሰ ደጋጊመ እንተደወልኩ ስልኮም ከልዕሉዎ ኣይክኣሉን።

ምስ ኢንቨስተር ገብረእግዛብሄር ገብረመድህን(ገሬ ወዲ ሴሮ) ቅድሚ ሎሚ ንግሆ ዳግማይ ናብ ቤት ምእሰርቲ ምእታው ዝተኻየደ ምሉእ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢንቨስተር ገሬ ወዲ ሴሮ ቤት ፍርዲ ምስ ፈትሖ ፖሊስ መሊሱ ኣሲሩዎ