ዋሽንግተን —
ሓደ ዓቃቢ-ሕጊ ኢጣልያ፡ ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ስደተኛታት፡ ገለ-ዘይመንግስታውያን ትካላት ምስ ዘይ-ሕጋውያን ኣስገርቲ ባሕሪ ይተሓባበሩ ከይህልዉ ነጻርዮ ኣለና ኢሉ ኔሩ።
እቲ ዝኻየድ ምጽራይ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ኢጣልያ ድጋፍ ዝረኸበ`ኳ እንተኾነ፡ ዛጊት መርትዖ ከምዘይተረኽቦ ባዕሉ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ`ሎ።
እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈሩ ትካላት ብወገኖም፡ ንሕና ህይወት ካብ ምድሓን ዝሓለፈ ዕላማ የብልናን ክብሉ ተማጉቶም`ዮም።
ንሎሚ ንሓደ ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ዝጸንሐን ንመንግስታዊ ሚዲያ ኢጣልያ ዝሰርሕን ጋዜጠኛ ኢሞልዮን ባርቡሪ ኣዘራሪብና ኣለን።
Your browser doesn’t support HTML5
ጋዜጠኛ ኢሚልዮ ባርቡሪ ፡ኣብ ጉዳይ ምትእስሳር ትካላት ህይወት ኣድሕን ማእከላይ ባሕሪን ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባትን