ሰሎሞን ድራር -- 45 ዓመታት ምስ ብርዒን ወረቐትን

Your browser doesn’t support HTML5

ሰሎሞን ድራር ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝኸውን ካብ ብርዒን ወረቐትን ኣይተፈልየን። ገጣሚ፡ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ደራሲ ፊልምን ሰናዲን ዝዀነ ሰሎሞን፡ ሕደማታቱ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዞም ብሓያሎ ድምጻውያን ዝተደርፉ ኰይኖም፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣብ ዝነጠፈሎም ዓውድታት ስነ-ጥበብ ተዘከርቲ ስራሓት ኣበርኪቱ’ዩ። ደራሲ መጽሓፍ “ኤርትራውያን ኮምንዶ፡ ቅያ 18 ደቓይቕ” ዝዀነ ሰሎሞን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝጸሓፎም ግጥምታት ኣኪቡ ኣሕቲሙ ኣሎ።