ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን ኣብ 90 ዓመቶም ካልኣይ ዝነውሐ ኣፍሪቃዊ እምባ ይሓዅሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ዶክተር ናይዝጊ ገብረመድህን ብምኽንያት መበል 90 ዓመቶም ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብንውሓቱ ድሕሪ እምባ ኪሊማንጃሮ ዝነውሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እምባ ኬንያ ሓዂሮም ኣለዉ። ነዚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ እምባ ንመበል 13 ግዜኦም’ዮም ዝድይቡዎ ዘለዉ። ኣብዚ ዝደሓረ ጕዕዞኦም ግን እንኮላይ ደቂ-ደቆም ሒዞም’ዮም ተጓዒዞም። ናብዚ ደረጃን ብቕዓት ኣካላትን ዘብጽሖም ምስጢርን ኣገባብ ህይወትን ኣካፊሎምና ኣለዉ።