ቃለ መጠይቕ፡ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ተበግሶ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ(ያሊ) መንእሰይ ምሕረት በርሀ

Your browser doesn’t support HTML5

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋና ከተማ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተቓንዓ ዋዕላ ተበግሶ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ 2017፡ ካብ 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ተሳቲፎም ኔሮም። መንእሰይ ምሕረት በርሀ ሓንቲ ካብዞም ናይ 2017 ዓ.ም ኣብ ዋዕላ ተበግሶ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተመርጹ መንእሰያት እያ። ምሕረት ካብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዓውዲ ትምህርቲ ሕጊ ዝተመረቐት ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓውዲ ሲቪክስ መምህር እያ።