ሳራ ሓጎስ፡ ካብ መንጎ ሕጹያት ሽልማት ኮራ ሙዚቃ ኣፍሪቃ

ኣብ ኬንያ እትነብር ሳራ ሓጎስ፡ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሙዚቃ'ያ ትጻወት። ትግርኛ ምስ ቋንቋ ስዋሂሊ እናተሃናፈጸት ዝዘመረታ `ኒታኩምቢያ` (ክዝምረልካ `የ) ትብል ዜማኣ ድማ ናብ ሽልማት ኮራ ኣዋርድስ ተሓጺያ`ላ።

'መሰረት ባህልናን መንነትናን ከይለቐቕና፡ ነቲ ዜማታትና ናብ ካልኦት ቋንቋ ሰማዕቲ`ውን ክንስፍሖ ይግባእ' ትብል ሳራ።

ኮራ ኣፍሪቃ ሙዚክ ኣዋርድስ በብዓመቱ ኣብ`ታ ዓመት ዝወጹ ኣፍሪቃዊ ሙዚቃታት ኣወዳዲሩ ሽልማት ዝህብ ውድበ`ዩ።

“ ናብ ቁጽሪ 00248984000 KORA 93 ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምልኣኽ ድምጽኹም ሃቡኒ” ትብል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሳራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሳራ ሓጎስ፡ ካብ መንጎ ሕጹያት ሽልማት ኮራ ሙዚቃ ኣፍሪቃ