ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሸውዓተ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾና ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ብዝምልከት ዘሕለፍዎ ናይ መገሻ እገዳ፡ ኣብ ከተማ ሲያትል ዝርከብ ፈደራላዊ ዳኛ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ብዝብል ንትግባረ`ቲ እገዳ ደው ከምዘበሎ ይፍለጥ። ንምዃኑ፡ ፈደራላዊ ስርዓት ሕጊ ኣሜሪካ ከመይ`ዩ ዝሰርሕን ነንሕድሕዱ ዝፈታተሽን?
“ እቲ ጉዳይ ብላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ክሳብ ዝውሰን ገየሽቲ ዘይግባእ ሻቕሎት ክሓድሮም ኣይግባእን “ ይብል ኣቶ ዮውሃንስ ዓንድማርያም ካብ ክፍለ-ግዝኣት ኦክላሆማ።
ነዚ ብዝምልከት ምስ ጠበቓ ኢሚግረሽን ኣቶ ዮውሃንስ ዓንድማርያም ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ቃለ-መጠይቕ ምስ ጠበቓ ኢሚግረሽን:- ብዛዕባ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተገብረ እገዳ መገሻን ዝሰዓበ ሕጋዊ ሞገተን