ዋና ፀሓፊ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ነጋ ካብ ገዝኦም ንከይወፁ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም፤ተንቀሳቓሲ ስልኮም'ውን ተመንጢሎም ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣፍሊጦም።መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውድብና ተፅዕና ንምግባር ስጉምትታት እናወሰደ እዩ እውን ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።
ዋሽንግተን —
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ተቓውሞ ስዒቡ ምስሕሓብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓዋሚ ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ቀፂሉ’ሎ።
ኣብ ውሽጢ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገቡ ውድባት ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ሓዊሱ ህውከት ከምዘለዓሉን ከምዝመርሑን መረዳእታ ስለዘለና ሕጋውን ዘይዳግምን ስጉምቲ ክንወሰድ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብዚ ሰሙን ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5
ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መራራ ጉዲና