ኣስመራ —
ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሰገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰጋሚ ባርኖስ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኸምዝኣተወ ኻብ ዝተሰምዓሉ ግዜ ኻብ ቕድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዘዕብዩ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታት ክውሃቡ ከምዝጸንሑን፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ ዳህሳስን ኮለላን ፡ሰጋሚ ባርኖስ ኣብ ኤርትራ ከምዘይኣተወን ኣፍሊጡ።
እቲ ባርኖስ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ስለተራእየ “ብፍላይ ኣብ`ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባብታት ጽዑቕ ዳህሳስ ንገብር ኣለና" ዝበለ ኣቶ ቴድሮስ፡ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋር ብዘሎ ሰፊሕ ዕድል፡ ንምክልኻሉ ምስ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክልኻል ኣንበጣን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ መግብን ሕርሻን ብሓባር ብሽርክነት ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።
Your browser doesn’t support HTML5