ቃለ-መጠይቕ ምስ ተመራማሪ ቋንቋ ግእዝ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል

Your browser doesn’t support HTML5

መሪጌታ ሄኖክ፡ ዛጊት ሽዱሽተ ናይ ግእዝ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ገና ካብኡ ዝበዝሕ ንምብርካት ዘንቀደን ተመራማሪ ቋንቋ ግእዝ`ዩ። “80 ንኸውን ሰባት ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን ብግእዝ ጥራይ ክንዛረብ ተሰማሚዕና`ለና፡ ግእዝ ክሳብ ኣብ ኮሌጅ ማህበራዊ ሳይንስን ኣርትን ዓዲቐይሕ፡ ሓደ ኣካል ትምህርቲ ኮይኑ ክኣትው ተገይሩ`ሎ” ይብል።