ዕላል ምስ ኮኸብ ተዋሳኣይ ኣማን ሓሚድ

Your browser doesn’t support HTML5

ዕላል ምስ ኮኸብ ተዋሳኣይ ኣማን ሓሚድ

ኮኸብ ተዋሳኣይ ኣማን ሓሚድ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ፊልም “ብሉጽ ተዋሳኣይ” ዝብል ሽልማት ረኺቡ። ፊልም “ሶፍያ” ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ፈስቲቫል ፊልም ከምኡ`ውን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድራት “ዝበለጸት ፊቸር ፊልም” ተባሂላ ተዓዊታ ኣላ።

ኣብታ “ሶፍያ” ትብል ብኤፍረም ካሕሳይ(ወዲ ኳዳ) ዝተጻሕፈትን ዝተኣልየትን ፊልም ከም ቀንዲ ጠባይ ኮይኑ ዝተዋስአ ኣማን ሓሚድ(ባዳሻ)፡ ካብ መንጎ ቅድሚ ሎሚ ዝሰርሐን ብዙሓት ፊልምታት፡ እዚኣ ኣዝያ በዳሂትን ኣድካሚትን ምንባራ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ።