ቃለ መጠይቕ ምስ አምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕበሎን ከተግብሮ ከምዝሰርሕን ውሳነ ኣሕሊፉ።ነዚ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ እቲ ውሳነ ንህዝቢ ዘማእከለ ኣይኮነን ብማለት ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዶም፡ይኻየዱ’ውን ኣለው።ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኮሚሽነር ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ ዘገልገለ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ’ሎ።