ኣሕመድ ዓብደልራሒም -- ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ኤርትራዊ ድምጻዊ ኣሕመድ ዓብደልራሒም፡ ኣብ ወርሒ ነሓስ “ግርማ” እትብል ናይ ህቡብ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ደጊሙን ኣመሓዪሹን ድሕሪ ምድራፉ፡ እታ ደርፊ፡ ኣቓልቦ ሓያሎ ሰማዕቲ ስሒባ ኣላ። ኣሕመድ ኣብዚ ብእንግሊዘኛ “ረንደሽን” ዝብሃል፡ ምድጋም ዘይኰነስ ኣመሓዪሽካ ምድራፍ፡ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት’ዩ።