ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ሌ/ኮ የማነ መብራህቱ ብዛዕባ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ህይወት`ቲ ኸባቢ ይገልጽ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ጀራዲን ማይ-ዓይኒ

ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ 14 ምምሕዳራዊ ከባቢታትን ክልተ ሓውሲ ከተማታትን ዝሕዝ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ ዝርከብ ንኡስ-ዞባ`ዩ።

ንኡስ-ዞባ ማይ-ዓይኒ ብጀራዲንን ፍረታትን ኣሕምልትን ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፡ ዓብይ ምህርቲ ሕርሻ ዝፈርየሉ ሰፊሕ ጎላጉል ሃዞሞ ዝርከበሉ ከባቢ`ውን`ዩ።

ጀራዲን ማይ-ዓይኒ

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ቁጽሪ ታሕታዋይ ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ብተዓጻጻፊ ዝወሰኸ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ዓድታት፡ ኣብ ላዕላዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ገለ ተማሃሮ ትምህርቶም ከቋርጹ ዝግደድሉ ግዜ ከምዘሎ ይግለጽ።

ምስ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ -ዓይኒ ኣቶ የማነ መብራህቱ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ሌ/ኮ የማነ መብራህቱ ብዛዕባ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ህይወት`ቲ ኸባቢ ይገልጽ