ኤርትራ ኣብ`ዚ ወርሒ`ዚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ተኽብር`ላ። ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንምግምጋም ምስ ግዜና ብዝጠዓዓም ተኸታታሊ ፕሮግራማት ክነቕርብ ንሓስብ`ኳ እንተኾነ፡ ንሎሚ ንሰለስተ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ`ዮም ኢልና ዝሓሰብናዮም ኤርትራውያን ዓዲምና`ለና
ዋሽንግተን —
ኤርትራ ናጽነታ ዝኣወጀትሉ መበል 25 ዓመት ኣብ`ዚ ወርሒ`ዚ ግንቦት 24 ተኽብር ኣላ። ነዚ ብሩራዊ እየቤልዩ ብኸመይ ነብዕሎ ኣብ ዝብል ሰለስተ ኤርትራውያን ሓሳቦም ሂቦም።
ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ንመንግስትን ንተቓወምትን ዝነቕፉ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተሳተፈ`ዩ።
ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ድማ ገድሊ ኤርትራ ብቐረባ እናተኸታተለ ዝዓበየን ኣብ`ዚ ሕጂ ንመሰል ስደተኛታት ዝሕለቕን`ዩ። ክልቲኦም ካብ ዓዲ እንግሊዝ።
ሳልሳዮም ኣቶ በርሀ በላይ ክሳብ ናጽነት ዝተጋደለን ኣብ`ዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ዝርከብን ናጻ ርእይቶ ዘሰጉም ዜጋ`ዩ።
ቀዳማይ ክፋል`ቲ ዘተኦም ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5