ዝኽሪ አሰቃቂ ጉዕዞ ሰሃራን ሲናይን ዝተዳለወ ፊልም “እውር አሞራ ቀላቢ”

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ቀረባ ጊዜ “ እውር አሞራ ቀላቢ” ዘርእስቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ካናዳ ንምርኢት ቀሪቡ ኔሩ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝኻየድ ፌስቲቫል ፊልም ኣፍሪቃ ድማ እዚ ፊልም ዋና አካል’ቲ ፌስቲቫል ኮይኑ ኽቐርብ’ዩ። እቲ ፊልም ኣብ ናይ ውልቂ ታሪክ ደራሲ ተመርኹሱ ዝተሰርሓ ኮይኑ ብዛዕባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝረአ ሓደገኛን አሰቃቂን ጉዕዞ ስደት ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይ ዝትርኽ’ዩ።