ኢንተርፖል ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየዶ ስርሒት ምክትታል ሳይበራዊ ገበናት 1,006 ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ኣእትዩ

ቤት ጽሕፈት ኢንተርፖል ኣብ ሊዮን - ፋይል

ኢንተርፖል (ዓለም-ለኸ ፖሊስ) ንዓሰርተታት ኣሽሓት ግዳያት ዝገበረ ሳይበራዊ ገበናት ንምግታእ ኣብ ኣፍሪቃ ንክልተ ኣዋርሕ-ዘካየዶ ዓብይ ስርሒት ስዒቡ 1,006 ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ። ገለ ካብዚኣቶም ኣብ ምዝውዋር ገንዘብ ዝተሳተፉ ምዃኖም ኢንተርፖል ኣፍሊጡ’ሎ።

በዚ “ኦፐረሽን ሰረንገቲ” ተባሂሉ ዝተሰምየ ምስ ትካል ፖሊስ ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣፍሪፖል) ብምትሕብባር ዝተኻየደ ስርሒት ካብ 2 ክሳብ 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኾይኑ ን19 ሃገራት ዒላማ ዝገብረን ምንባሩ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽዖ መግለፂ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ገበናት ምጭብርባራት ክረዲት ካርድ ዝሓወሰ ኣዝዩ ዝተራቀቀ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምንባሩ ኣዝዩ ከቢድ ስክፍታ ዝፈጠረ’ዩ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ኢንተርፖል ቫልዲሲ ኡርኪዛ ገሊፆም።

ኢንተርፖል ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየዶ ስርሒት 25-ሰባት ኣብቐይዲ ምእታው ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።