ባህርዳር —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምብቅዑ ፡ ኢትዮ-ቴለኮም ኣብ 17 ቀንዲ ከተማታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ኢትዮ-ቴለኮም ፍረሂወት ታምሩ፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት ክልል ኣምሓራ`ውን እቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ዝነበሮ ኣብ ምምልሱ ይስራሕ ከምዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።
ምዕጻው ኢንተርነት ኣብ ኣብ ቁጠባን መነባብሮን`ቲ ከባቢ ዓቢይ ሃስያ ከውርድ ምጽንሑ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ክቋረጽ ጸኒሑ`ዩ።