ኣብቲ ነዚ መዓልቲ ኣዋልድ ንምዝካር ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ሱዛን ራይስ፡ ተዓዋቲት አካዳሚ ኣዋርድ ስነ ጥበባዊት መርሊ ስትሪፕ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን ካልኦት ተረኺበን ኔረን። ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ናብ ላይበርያን ሞሮኮን ብምብጻሕ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽባ ከምዘለዋ ገሊጸን።
“ብተደጋጋሚ ከምዝተዓዘብናዮ መራሕቲ ሃገራት ይኹኑ፡ ኣመሓደርቲ ዓበይቲ ትካላት ኾነ መንእሰያት ኣዋልድ ዘለወን አገራሚ ታሪኽ ክሰምዑ ከለው ዘይትንኸፍ የለን፡ በቲ ኩነታት ዘይጉህይን ክሕግዝ ዘይብገስ’ውን የለን” ኢለን ሚቸል ኦባማ።
ኣቀዲመን ምስ ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዶኮመንታሪ ፊልም ዝሰርሓት ተዋሳኢት መርሊን ስትሪፕ ንተሳተፍቲ እቲ ስነ-ስርዓት ንዝሓሸ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ዘሎ ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ ኢላ።
“ምሉእ ስድራ ስድራ ሰብኣዊነት ነዚ ጉዳይ ትኹረት ክህቦ ኣለዎ። እዚ ኽከውን ድማ ይምነ። ይመስለኒ ደቂ ተባዕትዮ ማዕጾታት ክኽፈት ከምዘለዎ ክርድኡ ክንሕግዝ ይግባእ እዚ ድማ ልዕልና መሰረት ዝገበረ ዘይኾነ ንፍርቂ ማህበረሰብ ዓለም ዕድል ብምኽፋት ካብ ዝብል ምርዳእ ኽኸውን ኣለዎ።”
እተን ኣርባዕተ ኣዋልድ ነቲ መድረኽ ምስዘን ፍሉጣት ሰባት ኣብቲ መዓልቲ ዝመርሓ ብወገነን ናብ ቤት ትምህርተን ንምኻድ ብዙሕ ኪ.ሜ ይጉዓዛ ከምዝነበራ ይዛረባ። ዋላ’ኻ ብዙሕ ዕንቅፋት እንተነበረ ነቲ ጉዕዞ ናብ ቤት ትምህርቲ ግን ከምዘይዓገተን ይገልጻ።
ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባም እዚ ጉዳይ ብውልቀን’ዉን ዝስምዓን ምኻኑ’ውን ይገልጻ ። ምኽንያቱ ካብ መንግስቲ ብዝረኸበኦ ሓገዝ ናብ ሸቶ ትምህርተን ክበጽሓ ከምዝሓገዘን ይገልጻ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣስታት 1 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ምዝርጋሕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንኣዋልድ የውዕል፡ ብተመሳሳሊ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት 2 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ምዝርጋሕ ትምህርቲ ኣዋልድ ከምዘወፍር ሓቢሩ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ዓለምለኸ መዓልቲ ኣዋልድ ንአገዳስነት ትምህርቲ ትኹረት ብምሃብ ተዘኺሩ