እዚ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ብትካል መፅናዕትታት ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ካልኦት ተሓጋገዝቱ ዝተሰናደአ እዩ።
መቐለ —
ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ትካል ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ዕላማ እቲ ዋዕላ ልማዳዊ ሜላታት ኣተኣላልያ ጐንፂ ምስ ስሩዕ ሕጊ ብኸመይ ተሳንዮም ከምዝኸዱ ንምዝታይን ልምዲ ንምልውዋጥን እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ንኽልተ ዓማውቲ ተመሳሳሊ ዓውደ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ዶክተር ክንፈ ኣዘኻኪሮም፡፡
እቶም ልማዳዊ ሜላታት ብርክት ዝበሉ ሓለፋታት ከምዘለዎምን እቲ መንግስታዊ ስሩዕ ሕጊ ምስዚኦም ተሳንዩ ተዘይከይዱ ፀገም ምፍጣሩ ኣይተርፍን ኢሎም፡፡
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዋህደ በላይ ብወገኖም እቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ሜላታት ኣተኣላልያ ጐንፂ ጠሚቱ ምክያዱ ሰናይ ነገር እዩ፤ ኰይኑ ግና ኣብ ጠንቅታት እቶም ጐንፅታት ዝያዳ ኣድህቦ ምሃብ ከምዘድሊ ኣብቲ ዘቕረብዎ ፅሑፍ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ፣ ካብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝመፁ ላዕለዎት ምሁራት ይሳተፉ ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5